ብምልኡ እቲ ናይምውህሃድ ፕሮጀክት ብቃለመሕትት ይጅምር። ኣብ ኣልሳረ ኣክዳሚ እንተ ተመዝጊብኩም፣ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልታት ንቃለመሕትት ክትዕደሙ እኹም። ኣብዚ ግዜ ቃለመሕትት፣ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ፕሮጀክት ብዙሕ ፈተናታት ክህበኩም እዩ። እዚ ክኣ ናትኩም ደረጃ ቋንቋ፣ ናይ ምምሃር ዓቕምኹምን ዝፍትሽ እዩ። ኣብ መወዳእታ(ኢንብርኽሪንግ) ናይቲ ቃለ መሕትት ውን ክንገረኩም እዩ። ብድሕሪ’ዚ ናይቲ ፕሮጀክት ምኽርን፡ ፍቓድ ናይ ምውህሃድ ፕሮጀክትን ክወሃበኩም እዩ።
ነዚ ፍቓድ እንተ ተሰማሚዕኩምሉ ኩንትራትኩም ትፍርሙ፡ ብድሕሪኡ ናይ ምውህሃድ ፕሮጀክት ቀልጢፉ ክጅምር እዩ።
ኣልሳረ ኣክዳሚ ናይ ዲዩኦ (DUO) ልቓሕ ንኽትሓትቱ ክሕግዘኩም እዩ።
ናይ ጀመርቲ ጉጅለ (ታልባርግ)
ድሕሪ ምፍራም ናይቲ ኮንትራት ብቐጥታ ኣብ ናይ ጀመርቲ ጉጅለ ስልጠናኹም ትጅምር። ኣብ ኣልሳረ እዚ ናይ ጀመርቲ ጉጅለ ታልባርግ ይባሃል። ኣብ ታልባርግ ብኣገባብ ምስራሕን ኣጠቓቕማ ናይ ኢ-ትምህርቲን ክትመሃሩ ኢኹም። ብተወሳኺ ግላዊ ስርዓተ ትምህርቲ ክትረኽቡ ኢኹም። ካብዚ ቀጺልኩም ቀልጢፍኩም ናብ ናይ ምውህሃድ ጉጅለ ክትሳገሩ ኢኹም። እዚ ኣቐዲሙ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ ሰሙን ይጅምር።
እቲ ስልጠና
ናብቲ ናይ ጉጅለ ክላስ ኣርባዕተ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሰሙን ትኸዱ። ኣብቲ ናይ ጉጅለ ክላስ ነቲ ናይ ምውህሃድ ፈተና ኣብ ግዚኡ ከምቲ ኣብ ኮንትራት ስልጠና ዝኣተኹሞ ውዕል ንምሕላፍ መታን ክትክእሉ ዘድልየኩም ስልቲ ክትመሃሩ ኢኹም።
ብተወሳኺ ብናይ ግልኹም መደብ ውን ብድጂታል ትምህርቲ ክትማሃሩ ኢኹም ። እዚ ኣብገዛኹም ኬድኩም ውን ዝትግበር እዩ፣ ነዚ ላፕቶፕ ከነለቅሓኩም ስለዝኾና።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕረፍ ክኣ ፈተናታት ክትወስዱ ኢኹም፣ ብድሕሪ’ዚ ኣብ ምንታይ ጸቒጥኩም ክትሰርሑ ከምዘለኩም ክትፈልጡ ኢኹም። ዝኾነ ጸገም ከይ ከየጋጥመኩም ኩሉግዜ መምህርኩም ክሕግዘኩም እዩ።
መምርሒ ብዛዕባ ናይ ዳች ሕጊ ዕዮ (ONA)
መምርሒ ብዛዕባ ናይ ዳች ሕጊ ዕዮ ብዛዕባ ምስራሕን ስራሕ ምርካብን እዩ። ኣብ ክላስን ኣብ ገዛን ዝስራሕ መላመዲ ክትሰርሕ ኢኻ። መምህርካን ንስኻን ብሓንሳብ ኣብ ፖርቶፊልዮኻ ዘሎ ውጽኢት ናብ ዲዩኦ ትሰድዎ። ዲዩኦ ነቲ ዝሰደድካሎም ፖርቶፊልዮ ሪኦም ንዓኻ ንግምገማ ይጽውዑኻ። መምህርካ ነዚ ግምገማ ኣቐዲሙ ኣብ ኦኤንኤ ከላምደካ አዩ።
ቅድሚ 2015, ኣብ ናይ ምውህሃድ ኣድላይነት ቅጥዒ ኣቲኻ ኔርካ ዶ?
ኤንቲ2 (NT2) ሃገራዊ መርመራ ጥራይ ምውሳድ እዩ ዘድልየካ። እንተ ሓሊፍካ፣ ኤንቲ2 (NT2) ዲግሪ ትረክብ። ስለ’ዚ ተወሃሂድካ ኣለኻ ማለት እዩ።
ድሕሪ 1 ጥሪ 2015, ኣብ ናይ ምውህሃድ ኣድላይነት ቅጥዒ ኣቲኻ ኔርካ ዶ?
ኣምበኣ ተወሳኺ ን ኤንቲ2 (NT2) ሃገራዊ ፈተና ክልተ ፈተና ክትወስድ ኢኻ። ፈተና ኣፍልጦ ናይ ዳች ሕብረተሰብን ከምኡ ውን ፈተና ናይ መምርሒ ናይ ዳች ሕጊ ዕዮ።
ኣፍልጦ ሕብረተሰብን ዳች (KNM)
እቲ ኣገባብ ውን ምዕራፍ ናይ ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ዳች ዘጠቓለለ እዩ። ነዚ ፈተና ንኽትሓልፍ ውን ብግቡእ ክትዳሎ ኣለካ።
ቅድሚ 2015, ኣብ ናይ ምውህሃድ ኣድላይነት ቅጥዒ ኣቲኻ ኔርካ ዶ?
ኤንቲ2 (NT2) ሃገራዊ መርመራ ጥራይ ምውሳድ እዩ ዘድልየካ። እንተ ሓሊፍካ፣ ኤንቲ2 (NT2) ዲግሪ ትረክብ። በዚ ግዜ ተወሃሂድካ ኣለኻ ማለት እዩ።
ድሕሪ 1 ጥሪ 2015, ኣብ ናይ ምውህሃድ ኣድላይነት ቅጥዒ ኣቲኻ ኔርካ ዶ?
ኣምበኣር ተወሳኺ ን ኤንቲ2 (NT2) ሃገራዊ መርመራ ክልተ ፈተና ክትወስድ ኢኻ። ፈተና ኣፍልጦ ናይ ዳች ሕብረተሰብን ከምኡ ውን ፈተና ናይ መምርሒ ናይ ዳች ሕጊ ዕዮ።
መምርሒ
ኣብ ኣልሳረ ኣካዳሚ ብዙሕ ናይሰብ መምርሒ ሓገዝ ትረክብ። ኣካያዲ ስራሕ ናይ ፕሮጀክትኻ ዕዮኻ ንኽትትግብር ክመርሓካን ኣብ ካልእ ማዓልታዊ ስራሕካን ክሕግዘካ እዩ።
ነቲ ምውህሃድ መርመራ ኣብ ዝተመደበልካ ግዜ መታን ክትሓልፍ፣ ጽቡቕ ጌርካ ቋንቋ ዳች ተማሂርካ ከምዘለካ ምምህርካ የረጋግጽ።
እቲ ፍሉይ ኦኤንኤ መምህር ፈተና ኦኤንኤ ክትሓልፍ ተዳሊኻ ከምዘለኻ የረጋግጽ።
ልምምድ ፈተና
ነቲ ኣብ መንጎ ዝወሃብ ፈተናንታት እንዳ ሓለፍካ ናብ ናይ መወዳእታ ፈተና እንተ በጺሕካ፣ ናይ ፈተና ልምምድ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ነቲ ሓቀኛ ፈተና ክትሓልፍ ዝሕግዘካ ብዙሕ ናይ መላመዲ ፈተና ክትወስድ ትኽእል።
ውሑስ ዓወት
እንተወሓደ 80% ካብቲ ጥቕላላ ክላሳት እንተ ተሳቲፍካን ዕዮ ገዛኻ ኣንተሰሪሕካን ኣልሳረ ኣካዳሚ መጠነኛ ውጽኢት ከውሕሰልካ ይኽእል እዩ።
ናይ ሓባራዊ ስራሕ መሠረት ምትእምማን እዩ። ንስኹም ድማ ኣብ Alsare Academie ዝበለጹ መምህራንን ብሉጽ ኣተኣላልያን ከምትረኽቡ ክትተኣማመኑ ትኽእሉ ኢኹም። Alsare Academie ካብ DUO ልቓሕ ንምሕታት ክተሓባበረኩም ይኽእል እዩ።
ኣብ እዋን እቲ ዝወሃብ ስልጠና ድማ ምስ ስራሕን፡ ትምህርትን ኣብ ኒዘርላንድ ሌላ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም።
ነዚ ነጻ ቃለ መሕትት ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ/ኺ። ድሕሪ ቃለ መሕትትን ምፍራም ውዕልን፡ ብቐጥታ ስልጠናኻ ትጅምር።
ዝያዳ ኣንብብ/ቢWoont en/of werkt u op de noordoever van Rotterdam? Wilt u uw Nederlandse taal verbeteren?
Meld u zich dan nu aan! De taalcursus is GRATIS!